Mezmur: Eftah Elkani (ኤፍታሔ ኢልካኒ) - Video
PUBLISHED:  Feb 25, 2011
DESCRIPTION:
click here - 3:06
ኤፍታሔ ኢልካኒ ኣምላኽ መን ይዓጽወኒ: ኤፍታሔ ኢልካኒ ጐይታ መን ይኣስረኒ
ንስኻ ትምሕረኒ ንስኻ ይቕረ ትብለኒ: ንስኻ ትረድኣኒ ባዕልኻ ትድግፈኒ /2/

ኣብ መንገዲ ኢያሪኮ ዘይገደፍካኒ
ዑረት ልበይ ርኢኻ ዝረዳእካኒ
ኤልሻዳይ ጐይታ ንዓይ ኤፍታሔ ኢልካኒ
ብርሃን ቅድስናኻ ቤትካ ኣርእዩኒ

ኤፍታሔ ኢልካኒ ኣምላኽ መን ይዓጽወኒ: ኤፍታሔ ኢልካኒ ጐይታ መን ይኣስረኒ
ንስኻ ትምሕረኒ ንስኻ ይቕረ ትብለኒ: ንስኻ ትረድኣኒ ባዕልኻ ትድግፈኒ

ቁመተይ ሓጺሩኒ ኣብ ሳግላ ኮይነ
ነቲ ግሩም መልክዕካ ምርኣይ ስኢነ
ድሌተይ ፈሊጥካዮ ቤተይ ኣቲኻ
ባሪኽዎ ንቤተይ ቅዱስ መንፈስካ

ኤፍታሔ ኢልካኒ ኣምላኽ መን ይዓጽወኒ: ኤፍታሔ ኢልካኒ ጐይታ መን ይኣስረኒ
ንስኻ ትምሕረኒ ንስኻ ይቕረ ትብለኒ: ንስኻ ትረድኣኒ ባዕልኻ ትድግፈኒ

ሰኸመይ ተሰኪምካ ቅንዕ ከይበልካ
ክሳብ ቀራንዮ ጐይታ ሓጢኣተይ ጾይርካ
ምእንታይ ተገሪፍካ በጃይ ዝሞትካ
ከም ግብረይ ከይፈረድካ ሰላመይ ኣዊጅካ

ኤፍታሔ ኢልካኒ ኣምላኽ መን ይዓጽወኒ: ኤፍታሔ ኢልካኒ ጐይታ መን ይኣስረኒ
ንስኻ ትምሕረኒ ንስኻ ይቕረ ትብለኒ: ንስኻ ትረድኣኒ ባዕልኻ ትድግፈኒ

ድኹም ሓጥእ'ዩ ኢልካ ዘይነዓቕካኒ
ብናይ ምሕረት ዓይንኻ ዝጠመትካኒ
ብምንታይ ኢየ ዝመልሶ ናትካ ውሬታ
ልበይ ሓጎስ መሊኡ ልሳነይ ዕልልታ

ኤፍታሔ ኢልካኒ ኣምላኽ መን ይዓጽወኒ: ኤፍታሔ ኢልካኒ ጐይታ መን ይኣስረኒ
ንስኻ ትምሕረኒ ንስኻ ይቕረ ትብለኒ: ንስኻ ትረድኣኒ ባዕልኻ ትድግፈኒ

9ይ ዓመታዊ በዓል ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ግዕዛን መድሃኔ ዓለም ገዛባንዳ ኣስመራ። December 25, 2010
Eritrean Orthodox Tewahdo Church Debre Geezan MedhanieAlem Asmara.
ኤፍታሔ ማለት ተፈታሕ ማለት ኢዩ። ማርቆስ 7፡31-37
Ephphatha means Be opened. Mark 7:31-37
follow us on Twitter      Contact      Privacy Policy      Terms of Service
Copyright © BANDMINE // All Right Reserved
Return to top